መሰል ዓሚልን ሓላፍነት ዘይምውሳድን

ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ዚርከብ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንጽዕር፣ S.U.C.C.E.S.S. ብሰንኪ ዝኾነ ይኹን ክተርፍ ዝኽእል ጌጋታት ወይ ምጉዳል ንዝኾነ ሳዕቤን ተሓታቲ ኣይከውንን። መደባት፡ ፍጻመታት/ንጥፈታት፡ ትምህርትታን ካልኦት ጉዳያትን ኣብ ዝኾነ እዋን ብዘይ ኣቐዲምኩም ምፍላጥ ክቕየሩ ይኽእሉ። ናብ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ዝወስድ መላግቦ ንሓበሬታን ምቹእነትን ጥራይ እዩ ተዋሂቡ። ሊንክ(መላግቦ) ንሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣፍልጦ ምሃብ ወይ ንኣገልግሎታቱ ወይ ፍርያቱ ምልላይ ዘመልክት ኣይኮነን። ብዛዕባ እቶም ዝተኣሳሰሩ መርበባት ሓበሬታት፡ ወይ ኣብኡ ንዝተረኽበ ትሕዝቶ ሓላፍነት ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና።

ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) መሰልን ክብርን ኩሎም እነገልግሎም ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ጉጅለታትን የኽብር። ዓማዊል ብሓልዮት ንሕዞምን ውልቃዊ ርእሰ-ምሕደራኦምን ብሕታውነቶምን ነኽብርን።

መሰል ምምራጽ

  • ኣገልግሎታት S.U.C.C.E.S.S. ብዘይካ እቶም ብሕጊ ወይ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተኣዘዙ ወለንታዊን ዘይግዴታውን እዮም።
  • ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ዓማዊል ኣገልግሎትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ናይ ምምራጽ መሰል የኽብር። ንዓማዊል ናይ ኣማራጺ ምርጫታት ሓበሬታ ንህብ።
  • ውልቀሰባት፣ ስድራቤታትን/ወይ ሕጋውያን ኣላዪታትን ነቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዝምልከት ኣብ ዝወሃቡ ውሳነታት ናይ ምስታፍ መሰል ኣለዎም።
  • ዓማዊል ካብ ካልእ ምንጭታት ኣገልግሎት ክደልዩ ምስ ዝመርጹ ወይ’ውን ድሌታት ዓማዊል ብኻልኦት ትካላት ብዝበለጸ ክማላእ ምስ ዝተረኽበ፡ ንምርጫኦም ንምምችቻው ኣገዳሲ ሓበሬታን ሪፈራልን ክንህብ ኢና።

ናይ ፍትሓውን ምዕሩይን ምብጻሕ መሰል

  • ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ንዓማዊሉ ፍትሓውን ማዕርነታውን ተበጻሕነት ኣገልግሎት ንምሃብ ውፉይ እዩ።
  • ሓደ ኣገልግሎት ንንኡስ ጉጅለ ህዝቢ ጥራይ ዝወሃብ እንተኾይኑ፡ እቲ ናይ ብቕዓት መዐቀኒታት ብንጹር ክግለጽ እዩ።
  • ብዘይካ ህጹጽ ኩነታት፡ ኣገልግሎት ምርካብ ብመሰረት ቀዳማይ ዝመጸ ቀዳማይ ይግልገል እዩ።

ናይ ዘይምዳልው መሰል

  • ሰራሕተኛታት ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ንዓማዊል ብመሰረት ዓሌት፣ ሕብሪ፣ መበቆል፣ መበቆል ቦታ፣ ፖለቲካዊ እምነት፣ ሃይማኖት፣ ኩነታት ሓዳር፣ ኩነታት ስድራቤት፣ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ስንክልና፣ ጾታ፣ ጾታዊ ዝንባለ፣ ወይ ዕድመ ኣድልዎ ክገብሩ የብሎምን።

ብባህሊ ብቑዕ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል

  • ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ንጠለባት ዓማዊል ኣለልዩ የኽብርን ምላሽ ይህብን ብባህልን ቋንቋን ንዓሚል ዝሰማማዕ ኣገልግሎት ይህብ።
  • ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) መደባትን ኣገልግሎታትን ባህሊ፡ ቋንቋታትን ልምድታትን ናይቲ ዝግልገለሉ ህዝቢ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ኣሰራርሓታት የተግብር።

መሰል ምስጢራዊነትን ምክልኻል ውልቃውነትን

  • ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ንኹሉ ሓበሬታ ዓሚል ከም ምስጢራዊ ይሕዞን ብዘይ ናይ ዓሚል ጽሑፋዊ ፍቓድ ኣብ ውሽጢ ወይ ካብ ትካል ወጻኢ ሓበሬታ ዓሚል ኣይዝርግሕን እዩ።
  • ዓማዊል ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.’) ንኻልኦት ዓማዊል ናይ ምኽባርን መደባት ግዜ ሰሌዳ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ኣለዎም።

ንኻልኦት ምኽባር

  • ዓማዊል መሰል፣ ክብርን ውልቃውነትን ካልኦት ኣብ ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S) ዝረኽብዎም ሰባት ከኽብሩ ትፅቢት ይግበር። ዝኾነ ንውሕስነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ወይ መሰል ካልእ ዓሚል ወይ ሰራሕተኛታት ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ውጽኢቱ ኣገልግሎት ምቁራጽ ክኸውን ይኽእል።

ምክትታል መደብ ግዜ ሰሌዳን ሕግታትን

  • ዓማዊል ናይ ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S) መደባት ግዜ ሰሌዳን ሕግታትን ናይ ምኽትታልን ምኽባርን ሓላፍነት ኣለዎም።

ርእይቶ ን ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.)

  • ሰክሰስ(S.U.C.C.E.S.S.) ዓማዊል ብዛዕባ ኣገልግሎቱን ንምምሕያሽ ዝቐርቡ ሓሳባትን ርእይቶኦም ብሓጎስ ይቕበል።